settings icon
share icon
ሕቶ

ስለምንታይ ኣብ ዘፍጥረት ዘለዉ ሰባት ንነዊሕ መዋእል ነቢሮም?

መልሲ


ኣብ ቀዳሞት ምዕራፋት ዘፍጥረት፡ ዝርከቡ ሰባት፡ ስለምንታይ ንነዊሕ ዕምሪ ነቢሮም፡ ዝብል ዳርጋ ምስጢር እዩ። ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁራን ዝተቐመጡ፡ ብዙሓት ክልሰ-ሓሳባት ኣለዉ። ኣብ ዘፍጥረት 5 ዘሎ፡ ስነ-ትውልዲ፡ - ንክርስቶስ ዝፈረየ ክኸውን ዝኽእል መስመር ሓረግ - ናይ ሴት ሓረግ ወለዶ ዝኾኑ ናይ ኣምላኽ ሰባት ጸብጺቡ ኣሎ። ከም ውጽኢት ንኣምላኽ ምምላኾምን ምእዛዞምን፡ ነዞም መስመር እዚኦም፡ ብፍሉይ ሰብ ነዊሕ መዋእል ገይሩ፡ ኣምላኽ ዝባረኾም ክኸውን ይኽእል። እዚ እቲ ክበሃል ዝኽእል መግለጺ እኳ እንተኾነ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግን፡ ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 5፡ ናይቶም ዝተጠቕሱ ውልቀ-ሰባት ምንዋሕ ዕምሪ፣ ብንጹር ኣይደረተን። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ኣብ ዘፍጥረት 5፡ ብዘይካ ሄኖክ፡ ካልኦት ውልቀ-ሰባት፡ ሃይማኖተኛታት ምንባሮም ኣይገልጽን እዩ። በቲ እዋን፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ንዝተፈላለየ ኣማኢት ዓመታት ዚነበረ ይመስል። ነዚ ከኣ፡ ዝተፈላለዩ ሮቛሒታት፡ ኣበርኪቶም ይኾኑ።

ኣብ ግዜ ማይ ኣይሂ፡ ንዕምሪ ሰባት ዘሕጽር፡ ገለ ነገር ኣጋጢሙ ነይሩ እዩ። መዋእል/ዕምሪ፡ ናይ ቅድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበሩ (ዘፍጥረት 5:1–32)፡ ምስ ብድሕሪ ማይ ኣይሂ ዝነበሩ ሰባት፡ (ዘፍጥረት 11:10–32) ኣነጻጽር። ድሕሪ ማይ ኣይሂ፡ ቅጽበታዊ ዕድመ ሰባት ብዘገርም ኣንቆልቆለ፡ ካብ ሽዑ ንደሓር’ውን ምንቁልቋ ቀጺሉ። ኣብ ዘፍጥረት 6:3: “ እግዚኣብሄር ከኣ፡ ንሱ ስጋ እዩ እሞ፡ መንፈሰይ ንሓዋሩ ምስ ሰብ ኣይጻረርን፡ ስለዚ ዘበኑ ሚእትን ዕስራን ዓመት ይኹን።’” ዝብል ጥቕሲ ኣውራ ነጥቢ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብዙሓት ሰባት፡ ንዕድመ ሰብ፡ “ሓደ ሚእትን ዕስራን” ክኸውን፡ ከም ሓድሽ መለኮታዊ ደረት ዕድመ ዝተወሰነሉ መወከሲ ገይሮም ይርእይዎ። ብዘበን ሙሴ (እቲ 120 ዓመታት ዝነበረ)፡ መዋእል ሰብ ኣመና ወሪዱ ነይሩ። ድሕሪ ሙሴ፡ ንልዕሊ 120 ዓመት ናይ ዝነበረ ሰብ፡ ጸብጻብ’ውን የብልናን።

ስለምንታይ ናይ ዘፍጥረት ሰባት፡ ንከምዚ ዝበለ ነዊሕ ዕድመ ነቢሮም ዝብል፡ ሓደ ክልሰ-ሓሳብ፡ ሸፈነ ማይ፡ ንዙርያ ምድሪ ይጉልብባ ምንባሩ፡ ኣብ ዝብል ሓሳብ ምርኩስ ዝገበረ እዩ። ብመንጽር ክልሰ-ሓሳብ ጉልባብ-ማያት “ልዕሊ ጠፈር ዘሎ ማያት” (ዘፍጥረት 1:7, KJV) ንምድሪ ሓምላይ መጎልበቢ ፈጢሩ፡ ንኩነታት ውልቃዊ ናብራ ሰብ ዝጸለው ዘሎ፡ ነቲ ሕጂ ንምድሪ፡ ዝሃርም ዘሎ ጮራ ዓጊትዎ ነይሩ። ኣብ ዘበን ዕልቕልቕ ማይ፡ እቲ መጎልበቢ፡ ናብ ምድሪ ስለዝተኻዕወ፡ (ዘፍጥረት 7:11) ውጽኢቱ ድማ ምውዳእ ምቹእ ኣከባቢ ኮይኑ። ሎሚ ክልሰ-ሓሳብ ሸፈነ፡ ብብዙሓት ፍጥረታውያን ተነጺጉ እዩ።

ድሕሪ ፍጥረት ናይ እቶም ቀዳሞት ሒደት ወለዶታት፡ ኣብ ጀነቲካዊ ኣቃውማ ሰብ፡ ሒደት ጉድለታት ማዕቢሉ ዝብል ካልእ ግምት እዩ። ኣዳምን ሄዋንን ፍጹማት ኮይኖም እዩም ተፈጢሮም። ንሕማምን ምጽልላእን ብርግጽ ብዝለዓለ ደረጃ ተጻረርቲ ነይሮም። እቶም ትውልዶም ድማ፡ ብትሑት ደረጃ ነዞም ጥቕምታት፡ ወሪሶም ነይሮም። ድሕሪ ግዜ፡ ብምኽንያት ሓጢኣት፡ ናይ ሰብ ጀነቲካዊ ኮድ [ኣቃውማ] እናዛየደ ተበላሽዩን ደቂ ሰባት ድማ፡ ኣመና ኣመና ንሞትን ሕማምን ተጠቓዕቲ ኮይኖም። እዚ ድማ ብዓቢኡ ምጉዳል ዕምሪ፡ ኣምጺኡ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ስለምንታይ ኣብ ዘፍጥረት ዘለዉ ሰባት ንነዊሕ መዋእል ነቢሮም?
© Copyright Got Questions Ministries