settings icon
share icon
ሕቶ

ኣምላኽነት ክርስቶስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎዶ?

መልሲ


ኣብ ርእሲቲ የሱስ ባዕሉ ኣነጺሩ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ዝበሎ፡ ሃዋርያት እውን ብኣምላኽነቱ ተኣሚኖም እዮም፡፡ ንሳቶም ከም ዝበልዎ ድማ የሱስ ስልጣን ምምሓር ሓጥያት ነይሩዎ እዩ፡፡ እዚ ስልጣን እዚ ከኣ እግዚኣብሄር ጥራይ ዝገብሮ እዩ፡፡ ከመይሲ ንሱ እዩ ብሓጥያት ዝተዋረደ (ግብረ ሓዋረያት 5:31፤ ቈሌ. 3:13፤ መዝሙር 130:4፤ ኤር. 31:34)፡፡ ምስዛ ዳሕረወይቲ ኣፍልጦ ብዝተሓሓዘ ኸኣ የሱስ ንህያዋንን ምውታንን ክፈርድ ከም ዝመጽእ ተነጊሩና እዩ (2ይ ጢሞቴዎስ 4:1):: ነዚ ዝሰምዐ ሃዋርያ ቶማስ ድማ ጎይታይን ኣምላኸይን በለ (ዮሃንስ 20:28):: ጳውሎስ እውን ንየሱስ ዕዙዝ ኣምላኽናን መድሓኒናን እናበለ ይጽውዖ፡፡ (ቲቶስ 2:13):: ጳውሎስ ብተወሳኺ፡ የሱስ ስጋ ለቢሱ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ መልክዕ ኣምላኽ ሒዙ ምንባሩ ይነግረና (ፊልጲ. 2:5-8):: እግዚኣብሄር ኣቦ ድማ ብዛዕባ የሱስ ከምዚ ይብል፡ ኣታ ኣምላኸይ፡ ዝፋንካ ንዘልኣለመ ኣለም ይነብር፡ በትሪ መንግስትኻውን በትሪ ቅንዕና እያ፡፡ (ዕብራወያን 1:8):: ዮሃንስ እውን ከምዚ ይብል፡ ብመጀመርያ ቃል ነበረ፡ እቲ ቓል ኣብ ኣምላኽ ነበረ፡ እቲ ቓል እውን ኣምላኽ ነበረ፡፡ (ዮውሃንስ 1:1):: ኣምላኽነትን መለኮታውነትን ክርስቶስ ዘምህሩ ጽሑፋት ብዙሓት ኢዮም፡፡ (ራእይ 1:17, 2:8, 22:13፤ 1ይ ቆሮንጦስ 10:4፤ 1ይ ጴጥሮስ 2:6-8፤ መዝሙር 18:2፤ 95:1፤ 1 ጴጥሮስ 5:4፤ ዕብራውያን 13:20) ተመልከት:: ይኹን እምበር፡ ሓንቲ ካብዚአን ጥራይ እኳ ክርስቶስ በቶም ሰዓብቱ ከም ኣምላኽ ከም ዝምለኽን ንምግላጽ እኽልቲ እያ፡፡

ብተወሳኺ ድማ የሱስ እቲ ያህወህ ዝብል መዓርግ ተዋሂቡዎ ኢዩ፡፡ ያህወህ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝተገልጸ ስም እግዚኣብሄር ኢዩ፡፡ እቲ መድሓኒ ዝብል ናይ ብሉይ ኪዳን መዓርግ (መዝሙር 130:7; ሆሴዕ 13:14) ናብ የሱስ ዘመልክት መጸውዒ እዩ (ቲቶስ 2:13፤ ራእይ 5:9)፡፡ ብተወሳኺ፡ ኣብ ማቴዎስ 1፡ የሱስ፡ ኣማኑኤል ተባሂሉ ይጽዋዕ ትርጉሙ ድማ ኣምላኽ እዩ፡፡ ኣብ ዘካርያስ 12፡10 ኸኣ ያህወህ ከምዚ ይብል … ንሳቶም ከኣ ንኣይ፡ ነቲ ዝወግእዎ ኽጥምቱ እዮም፡ ከምቲ ንሓደ ውሉድ ዝበኽይሉ፡ ከምቲ ንበኹሪ መሪር ሓዘን ዝሓዝንሉ ኣምሪሮም ክሓዝንሉ እዮም፡፡ እዚ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ንስቕለት የሱስ ዘመልክት እዩ (ዮውሃንስ 19:37፤ ራእይ ዮውሃንስ 1:7)፡፡ እቲ ዝውጋእን ዝምልከትዎን ያህወህ እንተኾይኑ፡ እሞ ድማ የሱስ እቲ ዝተወግአን ዝተመልከቱዎን እዩ እሞ በዚ መሰረት የሱስ ያህወህ እዩ፡፡ ጳውሎስ ንኢሳይያስ 45፡22-23 ንየሱስ ከም ዝኾነ ኣብ ፊልጴ 2:10-11 የመልክተልና፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ጸጋን ሰላምን ካብ እግዚኣብሄር ኣቦን ካብ ጎይታ ኢየሱስ ክርሰቶስን ምሳኻትኩም ይኹን ዝብል ቡራኬታት ጳውሎስ ሰሚዕና፡ ስም የሱስ ምስ እግዚኣብሄር ኣቦ ተመዓራርዩ (ገላትያንስ 1:3; ኤፌሶን 1:2):: የሱስ ኣምላኽ እንተዘይከውን ነይሩ፡ እዚ ንኣምላኽ ምጽራፍ ምተቖጽረ፡፡ ኣብ ማቴ. 28፡19 ከምኡውን 2ይ ቆሮ. 13፡14፡ ስም የሱስ ምስ ስም እግዘዚኣብሄር ብኸምዚ ዝስዕብ ሰፊሩ ንረኽቦ፡፡ የሱስ ንሃዋርያት ከጠምቑ ክልእኮም እንከሎ፡ ብስም ኣቦ [ንጽል ኢዩ]: ወድን መንፈስ ቅዱስን ከጥምቑ ይነግሮም (ማቴ. 28:19፤ ከምኡውን 13:14)፡፡ እግዚኣብሄር ጥራይ ዝፍጽሞም ተግባራት ብየሱስ ይግበሩ እዮም፡፡ የሱስ ምዉታን ኣተንሲኡ ጥራይ ዘይኮነ (ዮሃንስ 5:21, 11:38-44)፡ ካብ ሓጥያት እውን ኣንጺሁ እዩ (ግብረ ሓዋርያት 5:31, 13:38)፡ ንኹሉ ፍጥረት ፈጢሩ ኣጽኒዕዎ ኣሎ (ዮሃንስ 1:2፤ ቆላስይስ 1:16-17):: ነዚ ብንጹር እንርድኦ ድማ ያህወህ ክፈጥር እንከሎ በይኑ ኸም ዝነበረ ምስ እነስተብህል እዩ (ኢሳይያስ 44:24)፡፡ ካብዚ ሓሊፉ ድማ የሱስ ባህርያት ኣምላኽ ነበሮ፡፡ ንሳቶም ከኣ፡ ዘልኣለማውነት (ዮሃንስ 8:58)፡ ኣብ ኩሉ ዘሎ (ዮሃንስ 18:20, 28:20)፡ ኩሉ ዝፈልጥ (ማቴ. 16:21) ከምኡ እውን ከኣሊ-ኩሉ (ዮሃንስ 11:38-44) እዮም፡፡

ስለዚ እምበኣር፡ እግዚኣብሄር እየ ምባል ወይ ድማ ንሰብ ኣታሊልካ ንሓሶት ሓቂ ኢዩ ኢልካ ከተእምኖ ሓደ ነገር ኢዩ፡፡ ሓቅነቱ ብጭብጥታት ምርግጋጽ ግን ካልእ እዩ፡፡ ክርስቶስ ኣምላኽ ምዃኑ ዘረጋግጹ ብዙሓት ተኣምራት ኣቕሪቡ ኢዩ፡፡ ገለ ውሑዳት ካብ ተኣምራት የሱስ ንምርኣይ ድማ፡ የሱስ ንማይ ናብ ወይኒ ለዊጡዎ (ዮሃንስ 6:11)፡ ኣብ ጽፍሒ ማይ ብእግሩ ተጓዒዙ፣ (ማቴዎስ 14:25)፡ እንጌራን ዓሳን ነገራት ኣብዚሕዎ (ዮሃንስ 6:11)፡ ዕዉራት ክርእዩ ገይሩ (ዮሃንስ 9:7)፣ ሓንካሳት ኣሕውዩ (ማር. 2:3)፣ ሕሙማት ፈዊሱ (ማቴ. 9:35፤ ማር. 1:40-42)፣ ካብዚ ንላዕሊ እውን ምዉታን ካብ ሞት ኣተንሲኡ (ዮውሃንስ .11:43-44፤ ሉቋስ 7:11-15፤ ማር. 5:35)፡፡ መዓስ እዚ ጥራይ፡ የሱስ ንባዕሉ እውን ካብ ምዉታን ተንሲኡ ኢዩ፡፡ ትንሳኤ ክርስቶስ ካብ ካልእ ሃይማኖታት ንላዕሊ ጭብጢ ዝተረኽበሉን ሓቅን እዩ፡፡

ክርስቶስ ዘይስዕቡ ተመራመርቲ ከይተረፈ ዝቕበሉዎም ብዉሑዱ 12 ታሪኻውያን ጭብጥታት ኣለዉ፡፡

1. የሱስ ብስቕለት ሞተ፡፡
2. ተቐብረ፡፡
3. ደቂ መዛሙርቱ ብሞቱ ኣዝዮም ሕዙናትን ጉህያትን ነበሩ፡፡
4. መቓብር የሱስ ድሕሪ ውሑዳት መዓልታት ጥርሑ ጸኒሑ፡፡
5. ደቂ መዛሙርቱ ወይ እቶም ሃዋርያት ድማ የሱስ ክዓርግ እንከሎ ብኣዒንቶም ረኣይዎ፡፡
6. ብድሕሪዚ፡ ሃዋርያት ካብ ተጠራጠርቲ ናብ ተባዓት ኣመንቲ ተሰጋገሩ፡፡
7. እዚ መልእኽቲ እዚ ቀንዲ ስብከትን ትምህርትን እታ ናይ መጀመርያ ማሕበር ነበረ፡፡
8. እዚ መልእኽቲ እዚ ኣብ ዮሩሳሌም ተሰብከ፡፡
9. ብሳላ እዚ ስብከት እዚ ኸኣ እዛ ማሕበር ክርስትያን ተወልደትን ዓበየትን፡፡
10. እዛ ንኽብሪ ትንሳኤ ዝተቐደሰት ሰንበት ከኣ ነታ ናይ ቅድም ሻብዓይቲ መዓልቲ ተክኣታ፡፡
11. እቲ ዘይኣምን ዝነበረ ያዕቆብ እውን ከይተረፈ ነቲ ናብ ሰማይ ዝዓረገ የሱስ ምስ ረኣየ ኣመነ፡፡
12. እቲ ጸላኢ ክርስትና ዝነበረ ጳውሎስ ብምኽንያት ነቲ ዝዓረገ የሱስ ርእዩ ምስ ኣረጋገጸ ኣመነ፡፡

ነዚ ፍሉይ ዝርዝር እዚ ክቃወሞ ኢየ ዝብል ሰብ ኣይሰኣንን ይኸውን፡፡ ይኹን እምበር፡ ካብዚኣተን እተን ትንሳኤ ንምርግጋጽን ወንጌል ንምምስራትን ዘድልያ ዉሑዳት ጥራይ ኢየን፡፡ ንሳተን ከኣ፣ ሞት የሱስ፡ ምቕባሩ፡ ትንሳኤኡን ምርኣዩን እየን (1ይ ቆሮንጦስ 15:1-5)፡፡ መን ይፈልጥ ንሓንቲ ወይ ክልተ ካብዘን ጭብጥታት ንምብራህ ገለ ክልሰ-ሓሳባት የድሊ ይኾኑ፡፡ ይኹን እምበር ንኹሎም ትንሳኤ ጥራይ እኳ የብርሆምን ይገልጾምን ኢዩ፡፡ ሃዋርያት ንየሱስ ናብ ሰማይ እናዓረገ እንከሎ ከም ዝረኣዩዎ ምምስካሮም ድማ እቶም ዝጠራጠሩ ሕጂ ይእመኑ፡፡ ሓሶታትን ሃለውሳታትን ንሰባት ከም ትንሳኤ ገይሩ ኣይልውጦምን እዩ፡፡ መጀመርያ፡ ሓዋርያት ከምኡ ምባሎም እንታይ ይረብሑ፤ ኣብቲ እዋን እቲ ክርስትና ዉሩይ ስለ ዘይነበረ ብርግጽ ገንዘብ ክረኽብሉ ዘኽእል ኣይነበረን፡፡ ካልኣይ፡ ሓሰውቲ ንሰማእታነት ድሉዋት ኣይኮኑን፡፡ ሃዋርያት ምእንቲ እምነቶም ብዘስካሕክሕ ኣማዉታ ክመቱ ፍቓደኛታት ምዃኖም፡ ካብ ስቕለት ንላዕሊ ካልእ ምኽንያት ክህልዎም ኣይክእልን፡፡ እወ፡ ብዙሓት ሰባት ሓቂ ንዝመሰሎም ሓሶት ክሞቱሉ ይኽእሉ እዮም፡፡ ይኹን እምብር ሰባት ሓቂ ከምዘይኮነ ንዝፈልጥዎ ነገር ኣይሞቱን እዮም፡፡

ኣብ መደምደምታ፡ ክርስቶስ ያህወህ ምንባሩ ኣፍሊጡ እዩ፡፡ ንሱ ኣምላኽ እምበር ሓደ ተራ ጣኦት ከም ዘይኮነስ ነጊሩ እዩ፡፡ እቲ ናይ ብሓቂ እግዚኣብሄር ምንባሩን ኣፍሊጡ ኢዩ፡፡ ሰዓብቲ ክርስቶስ (ማለት እቶም ብኣምልኾ ጣኦት ክስንብዱ ዝኽእሉ ዝነበሩ ህዝቢ ኣይሁድ ክነሶም)፡ ኣብ የሱስ ኣሚኖምስ እግዚኣብሄር እናበሉ እውን ጠቒሶሞ ኢዮም፡፡ ክርስቶስ ኣምላኽነቱ ዘረጋገጸ ብተኣምራታቱ፡ በቲ ዓለም ዝለወጠ ብመጽሓፍ-ቅዱስ ዝተረጋገጸ ተኣምር ትንሳኤኡን እዩ፡፡ ነዞም ሓቅታት ብዘይካ ኣምላኽነት ክርስቶስ ካልእ ክገልጾም ዝኽእል ክልሰ-ሓሳባ የልቦን፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ኣምላኽነት ክርስቶስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎዶ?
© Copyright Got Questions Ministries