settings icon
share icon
ሕቶ

እምነተይ ኣብ ኢየሱስ ሕጂ-ሕጂ ኣንቢረ …ድሕሪ እዚኸ?

መልሲ


እምነተይ ኣብ ኢየሱስ ሕጂ-ሕጂ ኣንቢረ …ድሕሪ እዚኸ?

እንቛዕ ደስ በለካ! ህይወት ዝቕይር ውሳኔ ኢኻ ዝወሰድካ። ምናልባት “ድሕሪ እዚኸ? ከመይ ኢለ እየ ጉዕዞ ምስ ኣምላኽ ክጅምሮ?” ዝብሉ ሕቶታት ይቕጀሉካ ይኸውን። እዞም ስዒቦም ዘለዉ ሓሙሽተ ስጕሚታት፡ ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ኣንፈት ክህቡኻ እዮም። ኣብ ጉዕዞኻ ሕቶታት እንተ ኣጋጢሞምኻ ንመርበብ ሓበሬታ www.GotQuestions.org/Tigrinya ተወከስ።

1. ትርጉም ድሕነት ከምዝተረደኣካ ኣረጋግጽ።

1ይቲ መልእኽቲ ዮሓንስ 5፡13 ከምዚ እናበለ ይምህረና “ንኣኻትኩም ነዞም ብስም ወዲ ኣምላኽ እትኣምኑ፥ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ከም ዘላትኩም ምእንቲ ክትፈልጡ ኢለ እየ እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ”። ትርጉም ድሕነት ክርደኣና ኣምላኽ ይደሊ እዩ። ኣምላኽ፡ ከም ዝደሓንና ብርግጽ ክንፈልጥን ምድሓንና ክንኣምንን ይደልይ እዩ። እስከ፡ ሕጽር ብዝበለ ኣገደስቲ ነጥብታት ብዛዕባ ድሕነት ንርአ፡

(ሀ) ኩላትና ሓጢእና ኢና። ኩላትና ንኣምላኽ ባህ ዘየብሉ ነገራት ፈጺምና ኢና (ሮማ. 2፡23)።

(ለ) ብሰሪ ሓጢኣትና ድማ፡ ንዘለዓለም ካብ ኣምላኽ ናይ ምርሓቕ መቕጻዕቲ ይግበኣና (ሮማ. 6፡23)።

(ሐ) ኢየሱስ ኣብ መስቀል ብሰሪ ሓጢኣትና እዩ ዝሞተ (ሮማ. 5፡8, 2ቆሮ. 5፡21)። ንዓና ዝግባእ ዋጋ መቕጻዕቲ ብምኽፋል፡ ኢየሱስ በጃና ኣብ መስቀል ሞተ። ትንሳኤ ኢየሱስ ድማ ሞቱ ንሓጢኣትና ንምኽፋል እኹል ምዃኑ ኣመስከረ።

(መ) ኣምላኽ ንኩሎም እቶም እምነቶም ኣብ ኢየሱስ ዘንበሩ [ሞት ኢየሱስ ንሓጢኣትና ዝተኸፍለ ዋጋ ምኳኑ ዝኣምኑ] ውሕስነት ሕድገት-ሓጢኣት ይህቦም።

እዚ እዩ እቲ መልእኽቲ ድሕነት! መድሓኒኻ ምዃኑ እምነትካ ኣብ ኢየሱስ እንተደኣ ኣንቢርካ፡ ድሒንካ ኣሎኻ! ኩሉ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ፡ ኣምላኽ ከኣ ኩሉሳዕ ምሳኻ ከምዝኸውን ወይ ፈጺሙ ከም ዘይሓድገካ ቃል ይኣትወልካ (ሮማ. 8፡38-39, ማቴ. 28፡20)። ድሕነትካ ኣብ ክርስቶስ ውሑስ ምዃኑ ዘክር (ዮሓ. 10፡28-29)። ኢየሱስ በይኑ መድሓኒኻ ምዃኑ ትኣምን እንተዀንካ፡ ንዘለዓለም ምስ ኣምላኽ ኣብ መንግስተ-ሰማያት ክትነብር ምዃንካ ርግጸኛ ክትከውን ኣሎካ!

2. ቅዱስ መጽሓፍ እትምህር ቅንዕቲ ቤተ ክርስትያን ኣናዲ።

ንቤተ ክርስትያን ከም ሓደ ህንጻ ገርካ ኣይትውሰዳ። እቶም ሰባት እዮም ቤተ ክርስትያን። ኣመንቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓድሕዶም ክመሓዘዉ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ከኣ እዩ እቲ ቀንዲ ዕላማ ቤተ ክርስትያን። እምነትካ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ኣምበርካ እምበኣር፡ ሕጂ ኣብ ከባቢኻ ቅዱስ መጽሓፍ እትኣምን ቤተ ክርስትያን ኣናዲኻ ምስቲ ኣላዪ ወይ ፓስተር ክትዘራረብ ብግዲ ከምዘድልየካ ነተባብዓካ። ብዛዕባ እዚ ሓድሽ እምነትካ ኣብ ኢይሱስ ክርስቶስ ድማ ንገሮ።

ካልእይ ዕላማ ቤት ክርስትያን ቅዱስ መጽሓፍ ምስትምሃር እዩ። ከመይ ኢልካ ሕግታት ኣምላኽ ኣብ ህይወትካ ከም እተተግብሮ ክትመሃር ትኽእል። ንቅዱስ መጽሓፍ ብግቡእ ምርዳእ፡ ቅኑዕን ሓያልን ክርስትያናዊ ህይወት ንምምራሕ እቲ ቀንዲ ረቛሒ እዩ። 2ጢሞ. 3፡16-17 ከምዚ ይምህረና፡ “እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ፍጹም፥ ንሠናይ ግብሪ ዘበለ ኣጸቢቑ ዝተዳለወ ምእንቲ ኪኸውን፥ ብመንፈስ ኣምላኽ ዝተጻሕፈ ቅዱስ መጽሓፍ ንትምህርቲ፥ ንተግሣጽ፥ ንምእራም፥ ቅኑዕ ናብራ ንምምሃር ይጠቅም”።

ሳልሳይ ዕላማ ቤተ ክርስትያን ኣምልኾ እዩ። ኣምልኾ ማለት ንኣምላኽ ስለ ኩሉ እቲ ንሱ ዝገበሮ ምምስጋን ማለት እዩ! ኣምላኽ ኣድሒኑና እዩ። ኣምላኽ ምሳና ኣሎ። ኣምላኽ ይመርሓናን ይኣልየናን። ንምንታይከ ዘይነመስግኖ? ኣምላኽ ቅዱስ፡ ሓቀኛ፡ መፍቀሪ፡ ርህሩህን ጸጋ ዝመልኦን እዩ። ራእይ 4፡11 ከምዚ ይብል፡ “ኦ ጐይታናን ኣምላኽናን! ንስኻ ክብርን ሥብሓትን ሥልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ። ከምይ ንብዘሎ ንስኻ ፈጠዝካዮ፥ ፍቓድካ ስለዝኮነ ድማ ህላዌ ረኺቡን ተፈጢሩን ኣሎ”።

3. መዓልታዊ ናብ ኣምላኽ እተተኩረሉ ጊዜ ፍለ።

መዓልታዊ ምስ ኣምላኽ ኣተኩርና እነሕልፎ ውሱን ጊዜ ክህልወና ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ገለ ሰባት ነዚ ጊዜ “ህዱእ ጊዜ” ይብልዎ። ገሊኦም ድማ “ወፈያታት” ይብልዎ፡ ምኽኒያቱ ንገዛርእስና ንእምላኽ እንውፍየሉ ጊዜ ስለዝኾነ። ገሊኦም ኣብ ቅድሚ ቀትሪ ጊዜ ይፈልዩ፡ ገሊኦም ድማ ኣጋ ምሸት ይመርጹ። መዓስ ትገብሮን እንታይ ኢልካ ትሰምዮን ኣገዳሲ ኣይኮነን። እቲ ዘገድስ ብቀጻሊ ምስ ኣምላኽ እተሕልፈሉ ጊዜ ምህላውካ እዩ። ምስ ኣምላኽ እነሕልፎ ጊዜ እንታይ ተግባራት ዝሓቖፈ እዩ?

(ሀ) ጸሎት። ጸሎት ማለት ንኣምላኽ ምምስጋን ማለት እዩ። ብዛዕባ ሻቕሎትካን ጸገማትካን ንኣምላኽ ንገሮ። ፍልጠትን መምርሕን ክህበካ ንእምላኽ ለምኖ። ንእትደልዮም ነገራት ክገብረልካ ንኣምላኽ ለምኖ። ክሳዕ ክንደይ ከምእተፍቅሮን ንኩሉ ዝገብረልካ ከም እተደንቕን ንኣምላኽ ንገሮ። ጸሎት ማለት ድማ እዚ እዩ።

(ለ) ምንባብ ቅዱስ መጽሓፍ። ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ቤተ ክርስትያን፡ ኣብ ትምህርቲ-ሰንበት ኮነ ኣብ መጽናዕቲ ቅዱስ መጽሓፍ እትመሃሮ ቅዱስ መጽሓፍ፡ ንበይንኻውን ቅዱስ መጽሓፍ ምንባብ ከድልየካ እዩ። ቅኑዕ ክርስትያናዊ ህይወት ንክትመርሕ ዘድልዩኻ ኩሉም ነገራት ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ይርከብ። ለባም ውሳኔ ንምውሳድ፡ ድልየት ኣምላኽ ንክትፈልጥ፡ ንካልኦት ከምይ ኢልካ ከም እትምስክርን ከመይ ኢልካ ብመንፈስ ከም እትዓብን ኩሉም መምርሒታት ኣምላኽ ዝሓዘ መጽሓፍ እዩ። ቅዱስ መጽሓፍ ንዓና ዝተዋህበ ቃል ኣምላኽ እዩ። ቅዱስ መጽሓፍ ብመሰረቱ ንኣምላኽ ብዘፈስህ መገዲ ህይወትና ከምይ ኢልና ከም እንመርሕን ንገዛእ ርእስና እነቕስነሉን መምርሒታት ኣምላኽ ዝሓዘ መጽሓፍ እዩ።

4. ብመንፈስ ክሕግዙኻ ምስ ዝኽእሉ ሰባት ዝምድና ፍጠር።

1ቆሮ. 15፡33 ከምዚ ይብለና፡ “ኣይትታለሉ፥ ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የበላሽዎ እዩ”። ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ብዛዕባ ጽልዋ “እኵያት” ሰባት ኣብ ልዕለና ዘጠንቕቑ ጽሑፋት መሊኦም ኣለዉ። ዘይቅዱስ ተግባራት ምስ ዘዘውትሩ ሰባት ጊዜና ምሕላፍና እቶም ተግባራት ክፈታተኑና ይኽእሉ። ጠባይ ናይዞም ኣብ ጥቓና ዘለዉ ሰባት ድማ ክጸልወና እዩ። ስለዚ እዩ ከኣ ንእምላኽ ብዘፍቕሩን ንኣምላኽ ብዝተወፈዩን ሰባት ክንክበብ ኣዚዩ እገዳሲ ዝኸውን።

ክሕግዙኻን ከተባብዑኻን ዝኽእሉ ሓደ ወይ ክልተ ኣዕሩኽ እንተተኻኢሉ ካብ እትመላለሶ ቤተ ክርስትያን ኣናዲ (ዕብ. 3፡13, 10፡24)። ንኣዕሩኽካ ብዛዕባ ህዱእ-ጊዜኻ፡ ብተግባራትካን ብዛዕባ ጉዕዞኻ ምስ እምላኽን ተሓታቲ ክገብሩኻ ሕተቶም። ንዓታቶም ከኣ ከምኡ ክትገብሮም ከምእትኽእል ሕተቶም። እዚ ማለት ግን ካብ ኩሉም ንጐይታ ኢየሱስ ከም መድሓኒኦም ዘይፈልጥዎ ኣዕሩኽካ ተፈለ ማለት ኣይኮነን። ዓርኮም ምዃን ቀጽልን ኣፍቅሮምን። ኢየሱስ ህይወትካ ከምዝለወጦን ኩሉ እቲ ቅድሚ ሕጂ እትገብሮ ዝነበርካ ነገራት ክትገብሮ ከምዘይትኽእል ጥራይ ንገሮም። ንኣምላኽ ድማ ብዛዕባ ኢየሱስ ምስ ኣዕሩኽካ እተዕልለሉ ኣጋጣሚታት ክህበካ ለምኖ።

5. ተጠመቕ

ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ጥምቀት ጌጋ ሓበሬታ ኣለዎም። “ምጥማቕ” ዝብል ቃል ትርጉሙ ኣብ ማይ ምጥላቕ ማለት እዩ። ጥምቀት ብዛዕባ ሓድሽ እምነትካ ኣብ ክርስቶስን መብጽዓኻ ንክትስዕቦን ብኣገባብ ቅዱስ መጽሓፍ ብወግዒ እትገልሉ መገዲ እዩ። ኣብ ማይ ምጥላቕ ድማ ምስ ክርስቶስ ምቕባርካ የመልክት። ካብቲ ዝጠለቕካሉ ማይ ምውጻእ ድማ ትንሳኤ ክርስቶስ የመልክት። ምጥማቕ ድማ ንገዛ ርእስኻ ምስ ሞትን ቀብርን ትንሳኤን ኢየሱስ ምትእስሳር እዩ (ሮማ. 6፡3-4)።

ጥምቀት ኣይኮነን ዘድሕነካ። ጥምቀት ሓጢኣትካ ኣይሓጽበልካን እዩ። ጥምቀት፡ ምልክት እሙን ናይ ምዃንን ንድሕነትካ ኣብ ክርስቶስ ጥራይ እምነት ከም ዘንበርካ ብወግዒ ምግላጽ እዩ። ጥምቀት ኣገዳሲ እዩ ምኽኒያቱ ናይ እሙን ምዃንካ ምልክትን ንድሕነትካ ኣብ ክርስቶስ እሙን ምዃንካ ብወግዒ ምግላጽ እዩ። ንክትጥመቕ ቅሩብ እንተድኣ ኰንካ ምስ ኣላዪ ወይ ፓስተር ተዛራረብ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

እምነተይ ኣብ ኢየሱስ ሕጂ-ሕጂ ኣንቢረ …ድሕሪ እዚኸ?
© Copyright Got Questions Ministries