settings icon
share icon
ሕቶ

እቲ መደብ ድሕነት ወይ መገዲ ድሕነት እንታይ እዩ?

መልሲ


ጥምየትዶ ኣሎካ? ኣካላዊ ጥምየት ዘይኮነስ፡ ናይ ገለ ካልእ ነገር ኣብ ህይወትካ ጥምየትዶ ኣሎካ? ፈጺሙ ዝዓግብ ዘይመስል ኣብ ውሽጥኻ ዝስመዓካ ገለ ነገርዶ ኣሎ? ከምኡ እንተድኣ ኾይኑ፡ እቲ መገዲ ኢየሱስ እዩ! ኢየሱስ ከምዚ ይብል፡ “ናይ ሕይወት እንጌራ ኣነ እየ፥ እቲ ናባይ ዚመጽእ ኣይኪጠምን፥ እቲ ብኣይ ዚኣምን ድማ ከቶ ኣይኪጸምእን እዩ” (ዮሓ. 6፡35)።

ተደናጊርካዶ ኢኻ? ምንባርካ ኣንፈት ወይከኣ ትርጉም ፈጺምካ ዘይትረኽበሉ ኮይኑዶ ይስመዓካ? ገለ ሰብ መብራህትኻ ዘጥፋኣልካሞ እቲ መወልዒ መብራህቲ ክትረኽቦ ዘይትኽእል ኮይኑዶ ይስመዓካ? ከምኡ እንተድኣ ኾይኑ፡ እቲ መገዲ ኢየሱስ እዩ! ኢየሱስ “ኣነ ንዓለም ብርሃኑ እየ፥ እቲ ዚስዕበኒ ከኣ ብርሃን ህይወት ኪረክብ እምበር ብጸልማት ኣይኪኸይድን እዩ” (ዮሓ. 8፡12) ብምባል የበስር።

ኣብ ህይወት ውሕስነት ዘይብልካ ኮይኑዶ ይስመዓካ? ብዙሓት ኣፍደገታት ፈቲንካ እንተኮነ ምስ ከፈትካዮም ጥርሖምን ትርጉም ዘይብሎምን ኮይኖምዶ ጸኒሖምኻ? ኣፍደገ ቅኑዕ ህይወት ትደሊዶ ኣሎኻ? ከምኡ እንተድኣ ኾይኑ፡ እቲ መገዲ ኢየሱስ እዩ! ኢየሱስ “እቲ ኣፍደገ ኣነ እየ፥ ብኣይ ዚኣቱ ኪድኅን እዩ፥ ኪኣቱን ኪወፍርን እዩ፥ መጓሰዪውን ኪረክብ እዩ” (ዮሓ. 10፡9) ይብል።

ካልኦት ሰባት ኩሉሳዕዶ ይክሕዱኻ? ዝምድናታትካ ዘይዓሞቕትን ጥርሖምንዶ እዮም? ኩሉሰብ ክብለጸልካ ዝደሊ ኮይኑዶ ይመስለካ? ከምኡ እንተድኣ ኾይኑ፡ እቲ መገዲ ኢየሱስ እዩ! ኢየሱስ ከምዚ ይብል፡ “ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ፥ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ሕይወቱ በጃ ኣባጊዑ ኣኅሊፉ ይህብ” (ዮሓ. 10፡11, 14)።

ድሕሪ እዛ ህይወት እንታይ ኮን ይህሉ ኢልካዶ ትሓስብ? ህይወትካ ንስለ በስበስትን ዝምርቱን ነገራት ጥራይ ክትነብርዶ ሰልኪዩካ? ኣብ ገለ እዋናት ህይወት ትርጉም ምህላዋዶ ትጥራጠር? ምስ ሞትካ ብሕይወት ክትነብርዶ ትደሊ? ከምኡ እንተደኣ ኾይኑ፡ እቲ መገዲ ኢየሱስ እዩ! ኢየሱስ ከምዚ ኢሉ የበስር፡ “ትንሳኤን ሕይወትን ኣነ እየ እቲ ብኣይ ዚኣምንሲ እንተ ሞት እኳ ብሕይወት ኪነብር እዩ። እቲ ብኣይ ዚኣምን ሕያው ዘበለ ኩሉ ንዘለዓለም ኣይኪመውትን እዩ” (ዮሓ. 11፡ 25-26)።

እቲ መገዲ ግና እንታይ እዩ? እቲ ሓቂ እንታይ እዩ? ኢየሱስ ከምዚ ኢሉ ይምልስ “መገዲን ሓቅን ሕይወትን ኣነ እየ፥ ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን” (ዮሓ. 14፡6)።

እቲ ዝስመዓካ ዘሎ ጥምየት መንፈሳዊ ጥምየት እዩ፡ ብክስርስቶስ ጥራይ እዩ ድማ ዝዓግብ። ነቲ ጸልማት ዝቕንጥጦ ድማ ኢየሱስ ጥራይ እዩ። ናብቲ ኣዕጋቢ ህይወት ዝወስድ ኣፍገደ ኢየሱስ እዩ። እቲ ክትደልዮ ዝጸናሕካ ዓርክን ጓሳን እምበኣር ኢየሱስ እዩ። ኣብዛ ዓለምን ብድሕሪኣን ኢየሱስ ህይወት እዩ። እቲ መገዲ ድሕነት ኣምበኣር ኢየሱስ እዩ!

ጥምየት ዝስመዓካ ዘሎ፡ ኣብ ጸልማት ዝጠፋእካ ኮይኑውን ዝስመዓካ ዘሎ፡ ትርጉም ሀይወትውን እትስእነሉ ዘሎኻ ምኽኒያት እምበኣር ካብ ኣምላኽ ብምፍላይካ እዩ። ኩላትና ከም ዝሓጣእናሞ ካብ ኣምላኽ ድማ ከምዝረሓቕና ቅዱስ መጽሓፍ ይምህረና (መክ. 7፡20, ሮማ, 3፡23)። ኣብ ልብኻ ባዶሽ ዝስመዓካ ዘሎ፡ ኣምላኽ ኣብ ህይወትካ ስለ ዘየለ እዩ። ብሰሪ ሓቲኣትና ካብዚ ዝምድና ርሒቕና ኢና። ካብኡ ብዝገደደ ድማ፡ ሓጢኣትና ንዝንተ-ዕለት ኣብዛ ህይወትን ብድሕሪኣን ካብ ኣምላኽ ከርሕቑና እዮም (ሮማ. 6፡23, ዮሓ. 3፡36)።

ነዚ ጸጋም ግና ከምይ ኢልና ኢና እንፈትሖ? ኢየሱስ እዩ እቲ መገዲ! ኢየሱስ ንሓጢኣትና ኣብ ርእሱ ብምስካም (2ቆሮ. 5፡21) በጃና እቲ መቕጻዕቲ ተቐጺዑ፡ ሞተ (ሮማ. 5፡8)። ግናኸ ዓወቱ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣትን ሞትን ብምምስካር፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ካብ ምውታት ተንስአ (ሮማ. 6፡4-5)። ግናኸ ንሱ ንምንታይ እዩ ከምዚ ዝገበረ? ነዚ ሕቶ ኢየሱስ ባዕሉ መሊስዎ፡ “ሰብ ካብቲ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ ንሕይወቱ በጃ ኣኅሊፉ ዚህቦ ዚዓቢ ፍቕሪ የብሉን” (ዮሓ. 15፡13)። ኢየሱስ ምእንቲ ንሕና ክንነብር እዩ ዝሞተ። ሞቱ ዋጋ ሓጢኣትና ዝተኸፍለ ምዃኑ ኣሚንና፡ ኩሉ እምነትና ኣብ ኢየሱስ እንተደኣ ኣንቢርና፡ ኩሎም ሓቲኣትና ክሕደጉልናን ተሓጺቦም ክድምሰሱን እዮም። ብድሕሪኡ ድማ መንፈሳዊ ጥምየትና ክዕንገልን ክዓግብን እዩ። መብራህቲ ክውልዑ እዮም። ዘዕግብ ህይወት ድማ ክንመርሕ ኢና። እቲ ሓቀኛን ብሉጽ ዓርክን ሕያዋይ ጓሳን ክንፈልጦ ኢና። ምስ ሞትና ድማ ህይወት [ዝተንስአትእሞ ኣብ መንግስተ-ሰማያት ንዘለዓለም ምስ ኢየሱስ እትነብር ህይወት] ከምዘላትና ድማ ክንፈልጥ ኢና!

“በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዘበለ ኩሉ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኪረክብ እምበር ከይጠፍእሲ፥ ኣምላኽ ንወዱ በጃ ክሳብ ዚህብ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” (ዮሓ. 3፡16)።

ኣብዚ ብዘምበብኩሞዶ ኢኹም ብዛዕባ ክርስቶስ ውሳኔ ዝወሰድኩም? ከምኡ እንተኾይኑ፡ ብኽብረትኩም ስዒቡ ኣብ ዘሎ “ሎሚ መዓልቲ ንክርስቶስ ተቐቢለ።” ዝብለ ክሊክ ግበሩ/ጠውቑ
English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

እቲ መደብ ድሕነት ወይ መገዲ ድሕነት እንታይ እዩ?
© Copyright Got Questions Ministries