settings icon
share icon
ሕቶ

ሓደ ክርስትያን ዝበሃል ሰብ እንታይ እዩ?

መልሲ


ኣብ መዝገበ ቃላት ክርስትያን ዝብል ቃል ፡ “ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ወይ ድማ ኣብ ኣስተምህሮ ክርስቶስ ዝተመርኮሰ ሃይማኖት ዝሰብኽ ሰብ” ዝኣመሰል ትርጉም ክህልዎ ይኽእል። እዚ ሓደ ጽቡቕ መበገሲ ነጥቢ እዃ እንተኾነ፡ ከም ኩሎም ትርጉማት መዝገበ ቃላት፡ ነቲ ሓቀኛ መንፈሳዊ ትርጉም ምዃን ክርስትያን ክገልጽ ኣይክእልን። “ክርስትያን” ዝብል ቃል ኣብ ሓድሽ ኪዳን ሰለስተ ጊዜ ተጻሒፉ ንረኽቦ (ግ.ሓ. 11፡26, 26፡28, 1ጴጥ. 4፡16)። ጠባዮም፡ ተግባራቶምን ኣዘራርባኦምን ንክርስቶስ ስለ ዝመሰሉ፡ ንፈለማ እዋን ሰዓብቲ ክርስቶስ ኣብ ኣንጾኪያ “ክርስትያን” ተባሂሉም ተሰምዩ (ግ.ሓ. 11።26)። ብቀሊል ኣዘራርባ እምበኣር ትርጉም “ክርስትያን” ዝብል ቃል “ኣባል ማሕበር ክርስቶስ” ወይከኣ “ሰዓቢ ክርስቶስ” ምዃን ማለት እዩ።

እንተኾነ ድሕሪ ነዊሕ እዋን፡ “ክርስትያን” ዝብል ቃል ዓቢ ክፋል ትርጉሙ ስኢኑ፥ መብዛሕትኡ ጊዜ ንሓደ ሃይማኖታዊ ወይከኣ ዓቢ ሞራላዊ ክብርታት ዘለዎ ግና ሰዓቢ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘይኮነ ሰብ ንምግላጽ ንጥቀመሉ። ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘይኣምኑ ክንሶም፡ ናብ ቤተ ክርስትያን ስለ ዝመላለሱ ጥራይ ወይከኣ ኣብ ሓንቲ “ክርስትያናዊት” ሃገር ስለ ዝነብሩ፡ ንገዛእ ርእሶም ከም ክርስትያን ዝቖጽሩ ኣዚዮም ብዙሓት እዮም። ናብ ቤተ ክርስትያን ምምልላስ፡ ንዝተጸገሙ ምሕጋዝ ወይ ሕያዋይ ሰብ ምዃን ክርስትያን ኣይገብረካን እዩ።

ኣብ ሓደ ጋራጅ ብምምልላስካ ማኪና ክገብረካ ከምዘይክእል ኩሉ፡ ናብ ቤተ ክርስትያን ምምልላስ ድማ ክርስትያን ኣይገብረካን እዩ። ኣባል ሓደ ቤተ ክርስትያን ምዃን፡ ብቐጻሊ ምምልላስ ወይ ኣብ ንጥፈታት እቲ ቤተ ክርስትያን ምውሳእ ክርስትያን ኣይገብረካን እዩ።

ቅኑዕ ግብሪ ብምግባርና ኣብ ኣምላኽ ተቐባልነት ንረክብ ማለት ከምዘይኮነ ቅዱስ መጽሓፍ ይምህረና። ቲቶ. 3፡5 ከምዚ ይብል “ንሕና ዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ዘይኮነስ ብምሕረቱ፥ ማለት በቲ ካልእይ ልደት ዚህብ ምሕጻብን ብመንፈስ ቅዱስ ብምሕዳስን ኣድኃነና”። ስለዚ፡ ሓደ ክርስትያን ብኣምላኽ ዳግም ዝተወልደን (ዮሓ. 3፡3, ዮሓ. 3፡7, 1ጴጥ. 1፡23) እምነቱ ኣብ ልዕሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘንበረን ሰብ እዩ። ኤፈ. 2፡8 “….ብጻጋ ኢኹም ዝደኃንኩም። እዚ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር ካባኻትኩም ኣይኮነን” ብምባል ይህምረና።

ሓደ ሓቀኛ ክርስትያን ዝበሃል ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስን ኣብ ስራሕ ኢየሱስ ክርስቶስ እንተላይ በጃ ሓጢኣትና ኣብ መስቀል ምሟቱን ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ድማ ምትንስኡን ምሉእ እምነት ዘንበረ ሰብ እዩ። ዮሓ. 1፡12 ከምዚ ይብለና “ነቶም ዝተቐበልዎ ዘበሉ ብስሙ ንዚኣምኑ ኩሎም ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪኾኑ፥ ሥልጣን ሃቦም”። መለለዪ ሓደ ሓቀኛ ክርስትያን ኣብ ርእሲ ካልኦት ዘለዎ ፍቕርን ተኣማንነቱ ኣብ ቃል ኣምላኽን እዩ (1ዮሓ. 2፡4, 10)። ብርግጽ ሓደ ሓቀኛ ክርስትያን ወዲ ኣምላኽ እዩ፡ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓድሽ ህይወት ዝተዋህቦን ኣባል እታ ሓቀኛ ስድራቤት ኣምላኽ እዩ።

ኣብዚ ብዘምበብኩሞዶ ኢኹም ብዛዕባ ክርስቶስ ውሳኔ ዝወሰድኩም ከምኡ እንተኾይኑ፡ ብኽብረትኩም ስዒቡ ኣብ ዘሎ “ሎሚ መዓልቲ ንክርስቶስ ተቐቢለ።” ዝብለ ክሊክ ግበሩ/ጠውቑ
English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ሓደ ክርስትያን ዝበሃል ሰብ እንታይ እዩ?
© Copyright Got Questions Ministries