settings icon
share icon
ሕቶ

ኢየሱስ ክርስቶስ መን እዩ?

መልሲ


ከምቲ “ኣምላኽ ኣሎዶ እዩ?” ንዝብል ሕቶ ዘይኮነስ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዓለም ከምጽነበረ ኣዚዩም ውሑዳት ሰባት ጥራይ እዩም ዝተራጠሩ። 2000 ዓመታት ኣቢሉ ይገብር ኢየሱስ ኣብ ዓለም ኣብ እስራኤል ዝነብር ዝነበረ ሰብ ምዃኑ ብሰፊሑ ቅቡል እዩ። ኣርእስቲ ብዛዕባ ምሉእ መንነት ኢየሱስ ክለዓል ምስጀመረ እዩ እቲ ክትዕ ዝጅምር። ዳርጋ ነፍስወከፍ ፍሉጥ ሃይማኖት፡ ኢየሱስ ነቢይ ወይከኣ ናይ ኣምላኽ ሰብ ምንባሩ ይምህሩ። ግናኸ እቲ ጸገም ዝመጽእ ቅዱስ መጽሓፍ ኢየሱስ ልዕሊ ሓደ ነቢይ፡ ልዕሊ ቅኑዕ መምህር ወይ ልዕሊ ናይ ኣምላኽ ሰብ ምንባሩ ስለዝምህረና ኢዩ።

ሲ. ኤስ. ለዊስ ኣብ “Mere Christianity” “መይር ክሪስቲያኒቲ” ኣብ ዘርእስቱ መጽሓፉ እዚ ዝስዕብ ጽሒፉ “ኣብዚ፡ እቲ ብሓቂ ዓሻ ዝኾነ ኣበሃህላ ደቂ ሰባት ብዛዕባኡ [ኢየሱስ ክርስቶስ]፡ ‘ንኢየሱስ ከም ዓቢይ ናይ ሞራይ መምህር ክቕበሎ ቅሩብ እየ፡ ኣምላኽ እየ ምባሉ ግና ኣይቅበሎን ኣየ’ ዝኮነ ሰብ ከይብል ክኽልክል እየ ዝፍትን ዘሎኹ። ። ከምኡ ክንብል ድማ ዘይግባእ ነገር እዩ። ሓደ ተራ ሰብ ዝነበረ እሞ ከምቲ ኢየሱስ ዝበሎ ነገራት እንተዝብል ነይሩ ሓደ ዓቢይ ናይ ሞራል መምህር ኣይበይ ምኾነን። ንሱ ሓደ ዕቡድ [ዝተጠብሰ እንቋቝሖ እየ ምስ ዝብል ሰብ ዝዳረግ] ወይከኣ ናይ ሲኦል ዲያብሎስ ምኾነ ። ዘዋጻኣካ ክትገብር ኣሎካ። እዚ ሰብ ወይ ወዲ ኣምላኽ ክኸውን [እዩ ኸኣ!]፡ ወይ ድማ በንጻሩ ሓደ ጽሉል ሰብኣይ ወይ ካብኡ ዝገደደ ክኸውን ኣለዎ። ዓሻ ኢልካ ክትገድፎ ትኽእል፡ ወይውን ጡፍ ክትብለሉ ትኽእል፡ ሰይጣን እዩ ኢልካውን ክትቀትሎ ትኽእል፡ ወይ ድማ ኣብ እግሩ ተደፊእካ ጐይታን ኣምላኽን ክትብሎ ትኽእል። ግናኸ ብሓዕባ ሓደ ዓቢ ሰብኣዊ መምህር ምዃኑ ናብ ቁምነገር ዘይብሉ ዘደናግር ነገር ኣይነድህብ። ከምዚ ዕድል ኣይገደፈልናን። ንሱ ከምኡ ክገብር ኣይደለየን።”

ስለዚ፡ ኢየሱስ መን እየ ይብል? ቅዱስ መጽሓፍከ መን እዩ ይብለና? ፈለማ ኢየሱስ ኣብ ዮሓ. 10፡30 ዝበሎ ንርአ፡ “ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና”። ብላዕሊ ላዕሊኡ ክንርእዮ ከሎና ኣምላኽ ምዃኑ ዝገልጽ ዘሎ ኣይመስልን። እንተኾነ፡ ነቲ ኢየሱስ ዝበሎ መልሰግብሪ እቶም ኣይሁድ እንተሪኢና፡ “በቲ ምጽራፍካን ሰብ ከሎኻ ገዛእ ርእስኻ ኣምላኽ ብምግባርካን እምበር በቲ ጽቡቕ ግብርታትካ ኣይኮነን ብዳርባ እምኒ እንቐትለካ” (ዮሓ. 10፡33)። እቶም ኣይሁድ ኢየሱስ ኣምላኽ ምዃኑ ከምነገሮም ተረዲእዎንም እዩ። ቀጺሎም ኣብ ዘለዉ ጥቕስታት እንተኾነውን ኢየሱስ ነቶም ኣይሁድ “ኣነ ኣምላኽ እየ ኣይበልኩን” ኢሉ ፈጺሙ ኣይኣረሞምን። እዚ ድማ ኢየሱስ “ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና” (ዮሓ. 10፡30) ክብል ከሎ ብሓቂ ንሱ ኣምላኽ ምዃኑ እዩ ዝነግር ዝነበረ። ዮሓ. 8፡58 እውን ካልእ ኣብነት እዩ፡ “ብሓቂ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፥ ኣብርሃም ከይተወልደ ከሎ ‘ኣነ ኣሎኹ’“። እንደገናውን ኣይሁድ እምኒ ኣልዒሎም ንኢየሱስ ብዳርባ እምኒ ክቐትልዎ ሃቀኑ (ዮሓ. 8፡59)። ኢየሱስ ንመንነቱ ‘ኣነ ኣሎኹ’ ኢሉ ከበስር ከሎ፡ ቀጥታዊ መግለጺ ናይቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዘሎ ስም ኣምላኽ እዩ ዝገለጸ (ዘጻ. 3፡14)። ኢየሱስ ዝተዛረቦ ንሱ ኣምላኽ ምዃኑ ስለዝገለጸ ከም ጸርፊ ገይሮም እንተዘይወስድዎ ነይሮም ንምንታይ እቶም ኣይሁድ ንኢየሱስ ብዳርባ እምኒ ክቐትልዎ ሃቀኑ?

ዮሓ. 1.1 “ብቐደሙ እቲ ቓል ኣብ ኣምላኽ ነበረ” ይብል። ዮሓ. 1፡14 ድማ “እቲ ቃል ሰብ ኮነ” ይብል። እዚ ከኣ ብንጹር ኢየሱስ ስጋ ዝለበሰ ኣምልኽ ምዃኑ የርኢ። ቶማስ እቲ ወዲ መዝሙር ንኢየሱስ ከምዚ ኢሉ ጸውዖ፡ “ጐይታይን ኣምላኸይን” (ዮሓ. 20፡28)። ኢየሱስ ድማ ኣይኣረሞን። ሃዋርያ ጳውሎስ ንኢየሱስ ብኸምዚ ኢሉ ይገልጾ፡ “… ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ” (ቲቶ. 2፡13)። ሃዋርያ ጴጥሮስውን ልክዕ ከምኡ ይብል “ … ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ” (2ጴጥ. 1፡1)። እግዚኣብሄር ኣቦውን ምስክር ምሉእ መንነት ኢየሱስ እዩ፡ “ግናኸ ብዛዕባ ወልድ ከምዚ ይብል ‘ኦ ኣምላኽ ዝፋንካ ንዘለዓለም ዓለም ክህሉን ማሕበር መንግስትኻ ድማ ቅዱስ ክኸውን እዩ’”። ትምቢታት ብሉይ ኪዳን ኣምላኽነት ክርስቶስ የበስሩ፡ “ሕፃን ተወሊዱልና፥ ወዲ ተዋሂቡና እዩ፥ ንሱ ከኣ ገዛኢና ኪኸውን እዩ። ንሱ ‘ግሩም መኻሪ’፡ ‘ብርቱዕ ኣምላኽ’፡ ‘ዘለዓለማዊ ኣቦ’፡ ‘መስፍን ሰላም’ ተባሂሉ ክጽዋዕ እዩ” (ኢሳ. 9፡6)።

ስለዚ ድማ ሲ. ኤስ. ለዊስ ንኢየሱስ ከም ሓደ ቅኑዕ መምህር ምእማን ኣማራጺ ኣይኮነን ኢሉ ይማጐት። ኢየሱስ ብንጹርን ብዘየማትእን ኣምላኽ ምዃኑ ገሊጹ እዩ። ንሱ ኣምላኽ እንተደኣ ዘይኮኑ፡ ኢየኡስ ሓሳዊ እዩ ማለት እዩ፡ ስለዚ ድማ ነቢይ ወይ ቅኑዕ መምህር ወይ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኣይኮነን ማለት እዩ። ናይ ዘመንና “ምሁራት” ካብ ቃላት ኢየሱስ ብምርሓቕ፡ ነቲ ቅዱስ መጽሓፍ ብዛዕባኡ ዝብሎ “እቲ ሓቀኛ ታሪኻዊ ኢየሱስ” ኣይተዛረቦን ይብሉ። ግናኸ ንሕናስ መን ኰንና ኢና ብዛዕባ ኢየሱስ በለ ወይ ኣይበለን ኢልና ንቓል ኣምላኽ ክንካትዖ? ከምይ ኢሉ እዩኸ ካብቲ ኢየሱስ ዝነበረሉ እዋን 2000 ዓመታት ድሒሩ ዝመጸ ሰብ እሞ ድማ ልዕሊ እቶም ምስኡ ዝነበሩ፡ ምስኡ ዘገልገሉን ብኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ዝተማሩን ሰባት ብዛዕባ ኢየሱስ እንታይ በልን ኣይበለን ዝበለጸ ኣረኣእያ ክህልዎ ዝኽእል” (ዮሓ. 14፡26)?

ግናኸ ሕቶ ብዛዕባ ሓቀኛ መንነት ኢየሱስ ንምንታይ ክንድዚ ኣገዳሲ ኮይኑ? ኢየሱስ ኣምላኽ ምዃኑን ዘይምኻኑን ንምንታይ የገድስ? ኢየሱስ ብግዲ ኣምላኽ ክኸውን ኣለዎ እንብለሉ ቀንዲ ምኽኒያት ኣምበኣር፡ ንሱ ኣምላኽ እንተ ዘይከውን ነይሩ፡ ሞቱ ዋጋ ሓጢኣት ኩሉ ዓለም ንምኽፋል እኹል ኣይበይ ምኾነን (1ዮሓ. 2፡2)። ኣምላኽ ጥራይ እዩ ክንድዚ ዝኣክል መወዳእታ ኣልቦ መቕጻዕቲ ክኸፍል ዝኽእል (ሮማ፡ 5፡8, 2ቆሮ. 5፡21)። ዋጋ ሓጢኣትና ክኸፍል ዝኽእል ኢየሱስ፡ ኣምላኽ ክኸውን ኣለዎ። ንክመውት ድማ ሰብ ክኸውን ነይርዎ። እምብኣር ድሕነት፡ ብእምነት ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ ኢያ እትርከብ። ኣምላኽነት ኢየሱስ ድማ ንሱ እቲ እንኮ መገዲ ድሕነት ብምዃኑ እዩ። ኣምላኽነት ኢየሱስ፡ ንሱ “መገድን ሓቅን ሕይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን” (ዮሓ. 14፡6) ኢሉ ብምብሳሩ እዩ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ኢየሱስ ክርስቶስ መን እዩ?
© Copyright Got Questions Ministries